ቀንዲ ዕላማ ናይዛ app ምእመናን መዛሙርን ስብከታትን ብቀሊል ኣገባብ ዝሰምዕሉ መንገዲ ንምኽፋት እዩ። ዝኾነ ሕቶ ወይ ርእይቶ ምስ ዝህልወኩም በዚ ዝስዕብ ኣድራኽ ኣድራኢ
email:
[email protected]ቅድስት ሥላሴ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ዱባይ ብ 2009 ዓ.ም መንፈስ ኣምላኽ ብዝደረኾም ደቂ ቤተ ክርስቲያን ተመስሪታ። ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ዝተፈላለየ ኣደራሻት ምእመናን ብምእካብ ድማ ስሩዕ መነፈሳዊ ኣግልግሎታ ጀሚራ።
መሰረታዊ ዕላማ ቤተ ክርስቲያን ድሕነት ነፍሳት ምርግጋጽ ኮይኑ፡ እዛ ኣብ ዱባይ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ድማ ካብዚ ብዘይፍለ፡ ግን ከኣ ምስ ኩነታት ናይዚ ሃገር ብዝሰማማዕ መገዲ፡ ድሕነት ምእመናን ንምርግጋጽ፡ ምእመናን ምስ እግዚኣብሔር ንዘለዎም ርክብ ንምድልዳል፡ ንምእመናን ካብ ኩሉ ዘመን ዘምጽኦ መልክዕ ኣምልኾታት ባህላዊ ወራርን ብንቕሓትን እኹል ኣፍልጦን ከም ዝድሕኑ ምግባር ይርከቦ።